homepage:
ሓገዝ ትደሊ ዲኻ?
ናይ መግቢ ሓገዝ ትደሊ? ሓገዝ ክትረክብ ዝምልከተካ እንተኾይኑን ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ናይ መግቢ ባንካ (ፉድሰል ባንክ) ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብ ውሽጢ 1 ደቒቕ ኣጻሪ
ምንባብ ቀጽል ወይ ድማ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ደውልለና: 088-5435435 (secundaire CTA)
ሓገዝካ ኣበርክት
ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ሰባት ትሕቲ ዶብ ድኽነት ይነብሩ። ናይ መግቢ ቀረብ ኣብ ምሃብን ከምኡ’ውን ምብኻን መግቢ ኣብ ምንክያን ክትተሓጋገዝ ትደሊ?
እቲ ኣዝዩ ክብሪ ዘለዎ ናይ መግቢ ሳጹን ናይ ኔዘርላንድ
ንሕና እንታይ እዩ ስራሕና
ብዛዕባ ናይ መግቢ ባንካ ዝምልከት ኩሉ፡ እዋናዊ ሓቅታትን ኣሃዛትን፡ እንተላይ ዕላማና፡ ቅርጽናን ታሪኽናን ኣብ’ዚ ከተንብብ ትኽእል።
ዛንታና
“ምስትውዓል ንመግቢ፡ ሓልዮት ንሰባት”
ኣብ ኔዘርላንድ፡ ዳርጋ 1 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ዶብ ድኽነት ይነብሩ። ኣብ መግብና ዝተርፈና ነዞም ሰባት እንተንህቦም ኔርና፡ ዝኾነ ዝጠሚ ሰብ ከምዘይህሉ ትፈልጥ ኔርካ ዶ? እዚ ድማ፡ ንሰብን ኣከባብን ጽቡቕ እዩ።
ወለንተኛታት ናይ መግቢ ባንካ፡ ሰሙናዊ ነቶም ኣዝዮም ዘድልዮም ሰባት መግቢ ይዕድሉ። ትካላት፡ ማሕበራት፡ መንግስታትን ብሕታውያን ሰባትን ድማ፡ ብገንዘብ፡ መግብን ኣገልግሎትን ሓገዞም የወፍዩ።
ንስኻ ኸ ክትሕግዝ ትደሊ ዶ?
እዋናዊ ዜና
Pagina 2:
https://voedselbankennederland.nl/kom-ik-in-aanmerking-voor-een-pakket/
H1 ብኸመይ ኣገባብ መግቢ ከምዝወሃበኒ ክገብር ይኽእል?
ናይ መግቢ ባንካ፡ ነቶም ንግዚኡ ናይ ናብራ ወጻኢታቶም ክሽፍኑ ዘይክእሉ ሰባት ሓገዝ የበርክት። በተወሳኺ፡ ካልኦት ጉዳያት ንምስላጥ ዝሕግዙ ናይ ኣማኸርቲ መርበብ ኣለና። ኣነ መግቢ ክወሃበኒ ይኽእል ዶ? ኣብ’ዚ ኣንብብ!
ንሕና ድማ፡ ንዓኻ ዝምልከተካ እንተኾይኑ ክንርኢ ኢና።
ናይ መግቢ ባንካ ሓገዝ ንምርካብ ዝምልከተካ እንተኾይኑ፡ ኣብ ወርሒ ንመግብን መስተን ከተውጽኦ ትኽእል መጠን ምርኩስ ብምግባር እዩ። ብቕልል ዝበለ ከም’ዚ ማለት እዩ፦ ኮሎም ዘለዉኻ ኣታዊታት ንድምሮም። ካብኡ ድማ፡ እቶም ወርሓዊ ወጻኢታትካ ነጉድል። ንኣብነት፡ ክራይ ገዛ፡ ማይን ጽዓትን። እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ድማ፡ ንኣስፔዛን ክዳንን ምዃኑ እዩ። እዚ ገንዘብ ካብ’ቲ ንሕና “ንቡር” ንብሎ ዝተሓተ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን፡ ደስ እናበለና ንሕግዘካ።
በቲ ቀሊል ናይ ሕሳብ ሓገዝ ተጠቒምካ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ፡ ናይ መግቢ ባንካ ዝምልከተካ እንተኾይኑ ክትዕዘብ ትኽእል። ኣብ’ዚ ጠውቕ
ኣብነት
ሓዳር ዘይብልካ እንተኾይኑ እሞ ኩሉ ወጻኢታትካ ሸፊንካ ንመግብን ክዳንን ካብ 300 ኤውሮ ንታሕቲ ጥራሕ ተሪፉካ? ኣብ ከም’ዚ ኩነታት፡ ሓገዝ ይምልከተካ እዩ ማለት እዩ። እቲ 300 ኤውሮ፡ ንሓዳርን ቆልዑን ዘይብሎም ንውስኖ ዶብ እዩ።
ኣብ’ዚ ሰንጠረዥ፡ ንዓኻ ዝምልከተካ ናይ ኣታዊ ዶብ ኣየናይ ምዃኑ ክትዕዘብ ትኽእል። እቲ ናይ ኣታዊ ዶብ፡ ናይ ወርሒ ምዃኑ እዩ። መጠን እቲ ዶብ፡ ኣብ ዕቤት ናይ ስድራቤትካ ዝተሞርከሰ እዩ።
በይንኻ ዲኻ ትነብር? ናይ ኣታዊ ዶብ (ብኤውሮ)
ንዓኻ 300
ምስ 1 ቖልዓ 410
ምስ 2 ቖልዑ 520
ምስ 3 ቖልዑ 630
ምስ 4 ቖልዑ 740
ምስ 5 ቖልዑ 850
ምስ 6 ቖልዑ 960
ምስ 7 ቖልዑ 1.070
ምስ 8 ቖልዑ 1.180
ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ዲኻ ትነብር ወይ ብዓል ሓዳር ዲኻ? ናይ ኣታዊ ዶብ (ብኤውሮ)
ክልተ ተጻመድቲ ብዘይ ቆልዑ 410
ምስ 1 ቖልዓ 520
ምስ 2 ቖልዑ 630
ምስ 3 ቖልዑ 740
ምስ 4 ቖልዑ 850
ምስ 5 ቖልዑ 960
ምስ 6 ቖልዑ 1.070
ምስ 7 ቖልዑ 1.180
ምስ 8 ቖልዑ 1.290
ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ መግቢ ባንካ
ናብ’ቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ መግቢ ባንካ ምጻእ። ኣብኡ ድማ፡ ንሕና ብኸመይ ኣገባብ ክንሕግዘካ ከም ንኽእል ብሓባር ንርኢ።
ናይ ረቛሒ መብርሂ
እቲ ዝሰፍሐ ናይ ሕሳብ ኣገባብ ክትፈልጥ ደሊኻ? ኩሉ ብዛዕባ’ዚ ኣብናይ ረቛሒ መብርሂ ከተንብቦ ትኽእል።
Pagina 3:
https://voedselbankennederland.nl/doneer/
ብምውጻእ፡ ንናይ መግቢ ባንካ ሓገዝካ ኣወፊ
ብ iDEAL ወፊ
መጠን ገንዘብ € 5,00 € 10,00 € 15,00 € 20,00 € 25,00 € 50,00
ውልቃዊ ሓበሬታ
ስም
ስም ኣቦን (ኣባሓጎን)
ናይ ኢሜይል ኣድራሻ
ካብ ነፍስ-ወከፍ ዝተወፈየት ሓንቲ ኢውሮ፡ 99 ሳንቲም ቀጥታ ናብ ዕላማና ይውዕል
ናይ መግቢ ባንካ ኔዘርላንድ፡ ንግዚኡ ናይ ባዕሎም ወጻኢታት ክሽፍኑ ዘይክእሉ ህጻናትን ወለድን ይሕግዝ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዞም ሰባት ብሰንኪ ሕማም፡ ካብ ስራሕ ምብራር ወይ ፍትሕ፡ ናይ ቁጠባ ጸገም ዘጋጥሞም ሰባት እዮም።
“ሓደ ካብ ዓሰርተ-ክልተ ተማሃሮ ብጥሙዩ ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዝኸይድ ትፈልጥ ዶ?” *
ጥሜት ንምቅላስ ሓገዝካ ኣበርክት። ንናይ መግቢ ባንካ፡ ብወፈያ ሓግዝ። 5 ኤውሮ ብምውፋይ፡ ንሓንቲ ስድራ ናይ መግቢ ሓገዝ ትገብረላ።
ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መሕትት ተጠቒምካ ብመንገዲ iDeal ከተወፊ ትኽእል። ወይ ድማ፡ ሓገዝካ ናብ’ዚ ዝስዕብ ናይ ባንካ ሕሳብ ይእቱ፦ NL21 RABO 0107 1508 24 (ስም Vereniging van Nederlandse Voedselbanken ኢልካ ጥቐስ)።
ሓገዝካ ኣድላዪ እዩ
ኣብ መላእ ኔዘርላንድ፡ ድርኺት ናይ መግቢ ባንካ ዘለዎም ወለንተኛታት ይሰርሑ። በትወሳኺ፡ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ፡ ብምኽርን ግብርን ክሕግዙና ብምኽኣሎም ሕጉሳት ኢና። ይኹን እምበር፡ ናትካ ሓገዝ’ውን የድልየና እዩ። ምኽንያቱ፡ ሰባት ምሕጋዝ፡ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዘድሊ። መግቢ ዘጋዓዕዛ ናይ ጽዕነት መካይንን ሚኒባሳታን፡ ነዳዲ፡ ናይ’ቲ መግቢ ንዕሽገሉ ቦታ ክራይ ገዛ ወጻኢታት ኣለና። 5 ኤውሮ ብምብርካት፡ ሓንቲ ስድራ ሰሙን ክትበልዕ ከምትኽእል ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
እቲ እትገብሮ ወፈያ፡ ናብ’ቶም ብሓቂ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት እዩ ዝበጽሕ። ኣብ ናይ መግቢ ባንካ፡ ዝኽፈል ሰብ የሎን። በወለንተኛታት ጥራሕ ኢና ንሰርሕ። ንናይ መግቢ ባንካ፡ ብወፈያ ሓግዝ።
ብገንዘብ ዘይኮነ ብኻልእ ኣገባብ ክትሕግዘና ደሊኻ? ነቶም ተኽእሎታት ኣብ’ዚ ፈትሽ።
*ብዛዕባ ድኽነት ዝምልከቱ ኣሃዛት፡ ኣብ ገጻት ናይ ትካል CBS ን SCP ክትረክብ ትኽእል።
Pagina 4: https://voedselbankennederland.nl/voedsel-geven/
መግቢ ምሃብ
ናይ መግቢ ባንካታት፡ መግቢ ኣይዕድጋን እየን። ዝተረፈ መግቢ እየን ዝእክባ። ነቲ ክጉሓፍ ዝተሓስበ መግቢ ማለት እዩ። ናይ መግቢ ሓገዝ ብምሃብ፡ ኣብ ድኽነት ዝነብራ ኣስታት 5 % ስድራቤታት ንሕግዝ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ነቶም ኣዝዩ ዘድልዮም ሰባት ጥራሕ ኢና ንሕግዝ ዘለና። ንስኻ ኸ መግቢ ከተበርክት ትደሊ ዲኻ?
1 ሚልዮን ሰባት ኣብ ድኽነት ይነብሩ።
ኣብ ኔዘርላንድ፡ ኣስታት 1 ሚልዮን ሰባት ኣብ ትሕቲ ዶብ ድኽነት ይነብሩ። ዝያዳ ሰባት ክንሕግዝ ባህግና እኳ እንተኾነ፡ ከምኡ ንምግባር ግን ዝያዳ መግቢ የድልየና።
ብውሕሉል ኣገባብ መግቢ ምእካብ
ጽቡቕ ነገር፡ ብዙሓት ድኳናት፡ ትካላት፡ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ይሕጉዝና እዮም። እቲ ብ Groente en Fruit Brigade ዝፍለጥ ኣብ ፑልዳይክ ዘሎ ትካል፡ ሰሙናዊ ኣማኢት ኪሎታት ሓድሽ ይሕምልትን ፍሩታታትን የምጻልና። ናይ መግቢ ባንካታት፡ ዳርጋ ካብ ኩለን ኣብ ምምሕዳረን ዝርከባ ድኳናት፡ መግቢ ክወስዳ ይኽእላ። ሓድሽ መግቢ ኣብ ምእካብ፡ ብተባላሓትነት ንሰርሕ። ንኣብነት፡ ኣፕል ሙስ ካብ ዝተኣገዱ ናይ ሃገረ ራሻ ምህርቲ ነፍሪ። ብዝሗት ናይ መግቢ ባንካታታ፡ ናተን ጀራዲን ይውንና ወይ ድማ ምስ ናይ ምምሕዳር ጀርዲን ብሓባር ይሰርሓ።
ንስድራቤታት፡ ምስ ዕቤት ናይ’ታ ስድራ ዝሳነ፡ ሰሙናዊ ዝተፈላለየ መግቢ ከነቕርብ ንደሊ።
እዚ፡ ብናትካ ሓገዝ ዝያዳ ክሰልጥ ይኽእል። ብኸመይ ኣገባብ መግቢ ክንእክብ ከምንኽእል በሊሕ ሓሳብ ኣለካ? ምስ ትካልካ ኮንከ ኸ መግቢ ከተበርክተልና ትደሊ? ኣብ’ዚ ኢሜይል ጽሓፈልናvoedselverwerving@voedselbankennederland.nl።